Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas December 16, 2013

    ካብ ናይ ዕለት 14/12/2013 ፈነወ ድምጺ መድረኽ ዝቐጸለ፥

    ድምጺ፡ መድረኽ ዘተ!

    እታ ብዕለት 15/10/2013 ፈላሚ ፈነወኣ ዝጀመረት ራድዮ መድረኽውን ኣብ ክንዲ ሓድሽ ፈነወ ብሓድሽ ስም ምጅማር፡ ነታ ሰረት ዝጸንሓን ህዝባዊ ሓገዝ ዘድልያን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣደንፊዓ፡ ምሳኣ ብሓባር እንተ ትቕጽል ዝበለጸ ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። ብተወሳኺ እዛ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ ብሃብሮም ጋዜጠኛ ፌበን ሰሎሞንን ምናሴ ተኽላይን እትፍኖ ራድዮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፈነወኣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዕንክሊል፡ መገረም ኔት ክልጠፍ ምጅማሩ ዘሻቐሎም ዜጋታት፡ ስክፍታኦም ከውክኡ ኣንቢበ ኣለኹ። እንታይ ዘሰክፍ ኣሎዎም? እዚ ስጉምቲ’ዚ ብኣንጻሩ ከሐጉሶም’ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ፡ እቶም ጌና ብኣዒንቶም እምበር ብልቦም ክርእዩ ዘይከኣሉ ውሑዳት ግን ከኣ ዓው ዓው በሃልቲ የዋሃት ኣሕዋትና፡ ማዕጾ መርበብ ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ-ኣሰና፡ እንተ ኳሕኩሑ ጎይታኦም መላኺ ህግደፍ ብሕቡእ ማለት፡ ብማይክሮስኮውፕ (ንደቀቕቲ ነገራት ኣጒሊሑ፡ ዘርኢ መሳርሒ) ጌሩ ከይርእዮም ዝብህርሩ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ንመርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት ድፍር ኢሎም ክፍትሽዋ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ደወል ሓርነት ናይ ድምጺ መድረኽ ከኣ ኣብኡ ንእግረ መገዶም ክሰምዑዎ ዕድል ስለ ዝረኽቡ፡ ብልቦም ንክሓስቡ ክሕግዞም ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ’የ ከሐጉሶም’ዩ ዝግባእ ዝበልኩ። “ኣደይ ማርያም ዝፈርሓስ ብመብረቕ ዚቐትል ወዲ ስለ ዘለወን’ዩ!’ ከም ዝብሃል፡ ደገፍቲ ህግደፍውን ንመላኺ ክንድዚ ዝፈርሑዎ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ብሃንደበት ካብ ቤቶም ጨውዮም ኣብዚኣ ኣተዉ ከይተባህሉ ከሕቕቑዎም ዝኽእሉ፡ ሃገራዊ ጥፍኣት (ሃገራዊ ድሕነት) ዝሰምዩዎም ድምጺ ዘይብሎም መብረቕ ስለ ዘለዉዎ’ዩ።

    ብተወሳኺ ኣተኩሮና ኣብ ዘራኢ ዘይኮነስ ኣብቲ ዘርኢ’ዩ ኪኸውን ዘለዎ። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ጠለብ ለውጢ ዝሓዘ መልእኽቲ ድምጺ መድረኽ፡ ዋላውን ብራድዮ ወያነ ይፈኖ ብዘየገድስ ንረብሓና ክሳብ ዝኾነ መርሓባ ጥራይ ኢና ክንብሎ ዘለና። ገበነኛታት ብድሕሪኡ እንተልዮም ከኣ እዛ ሃገር ካብ መንጋጋ ሓርገጽ ምስ ተላቐቐት፡ ከካብ ዘለዉዎ ብሕጊ ተለቒሞም ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ስለ ዝኽእሉ ሕጂ ብዛዕባኦም ምጭናቕ ዘድሊ ኣይመስለንን። ካልእ ከነስተብህለሉ ዘለና ጉዳይ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሕሰምን መከራን ይነብር ስለ ዘሎ፡ ነዚ ብእልበት (ሓሳረ መከራ) ዝንከላበት ዘሎ ህዝቢ’ዚ ከኣ 24 ሰዓታት ጓይላ ዘይኮነስ ንቃልሲን ለውጥን ዘነቓቕሑ ዝተፈላለዩ ሓተታታት፣ ግጥምታት፣ ቃለ መሕትት ኣገደስቲ ሰባት፣ ተመኩሮኦም ኣብ ምሕደራ ምልኪ ዘካፍሉ ውጹዓት፣ ከምኡን ኣነቓቓሕቲ ምጥን ዝበሉ ሰውራዊ ደርፍታት ክቃላሕ ይግባእ። ስለዚ ንኣካየድቲ ራድዮ መድረኽ ሕድሪ ከምቲ ምስላ ወለድና ዝብሎ፥ “ንሓርማዝ ኣይትምከል (ሳዕሪ ኣይትዕጸድ) ንዘይጸግበልካ፡ ንዓሻ ኣይትምከር ንዘይሰምዓካ!” ከይከውን ምኽረይ ደጊመ ሓደራ ክብሎም እፈቱ።

    ንኣብነት፥ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝፍኖ ሓደ ሓደ መደባት፡ ማለት ከም “መደብ ጠጥዕሙን” “ንጉሰ ዓርከይን” እንተ ወሲድና፡ ብፍላይ እቲ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ዝግብኦ “መደብ ጠጥዕሙ” ብፍጹም ምስ’ዚ ዘለናዮ ኩነታት ዘይዛመድ ጽሑፋት፡ ማለት ቅድመ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ ዛንታታት ብኣዝዩ ኣሰልቻዊ ኣቀራርባ ከተቃልሕ ክትሰምዓ ከለኻ፡ ወየ ደኣ ብመደባት “መፈስ ጋዜጠኛ፣ ልሳን መንግስትናን መደብ ሸኾርተትን” ስለ ትጸናናዕ ኢኻ’ምበር ሓንሳእ ሓንሳእስ ዳግም ንኸይትሰምዓውን ኢኻ ንምምሓል ትደናደን። (ብዛዓ’ዚ ኣቐዲመ ብሰፊሑ ብዕለት 20/10/2013 ናብ ራድዮ ኤረና ልኢኸዮ ኔረ’የ፡ ዝኾነ ይኹን መልሲ ግን ኣይተዋህቦን።) መደብ “ንጉሰ ዓርከይ” እውን ኣጀማምራኡን ዕላማኡን’ኳ ጽቡቕ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግን ሓይሊ ሚዛን ካብ ሚልዮን ናብ ንጉሰ ስለ ዝዘጠጠ፡ ፍጀት (ናይ ምጉት ተራ) ንጉሰ ሰዓርን ተኣማንን እናኾነ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ምስትብሃል ከም ዘድልዮ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እደሊ። ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ’ዚ ብሰፊሑ በዛ ቀዳመይቲ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያን ዝኾነት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣቢለ ዓለቐይ ክገልጽ ክፍትን’የ። ከምቲ፥ “ሰብ ንሰብ ይሓምዮ፡ ናይ ባዕሉ ስለ ዘይርእዮ!” ዝብሃል ግን ናተይ ጌጋታትን ጉድለታትን ክእርመኒ ዝጽበዮ ሰብውን ክህሉ ይኽእል’ዩ።

    ይቕጽል፥

POST A COMMENT