Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mekonen Tesfay

እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ኣብ ዕዳጋ ንኣብ ስደትን ወሽጢ ሃገርን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ጆባእ ገጸ በረኸት ያታ ኣስታት 270 ገጽ ዝሓዘት መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ንዓመታት ከቢድ ጻዕሪ ዘካየድኩላ መጽሓፍ ኮይና ኣስታት 300 ማሰን መልቀስን ናይ

እዝኒ መሰታ ቐዳሞት ኣብ ዕዳጋ

ንኣብ ስደትን ወሽጢ ሃገርን ንዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ጆባእ ገጸ በረኸት ያታ

ኣስታት 270 ገጽ ዝሓዘት መጽሓፍ እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ንዓመታት ከቢድ ጻዕሪ ዘካየድኩላ መጽሓፍ ኮይና ኣስታት 300 ማሰን መልቀስን ናይ ልዕሊ 50 ማሰኛታትን መላቐስትን ፍርያት ዝሓዘት ኢያ። ብጀካ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሰን መልቀስን፡ እቲ ማሰ ወይ መልቀስ ኣበይ ከም ዝተባህለን መልእኽቲ እቲ ስራሕ እንታይ ምዃኑን ዝገልጽ ጽሑፍ ይርከቦ። ኣብዛ መጽሓፍ ዘለው ማሰታትን መልቀስን ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 130 ዓመታት ዝተባህሉ ኮይኖም ገለን ብቐጥታ ካብ በሃልቶም ገለን ድማ ካብ ማሰን መልቀስን ካብ ዝደግሙ ሰባት ዝተረኽቡ ኢዮም። እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ብዓይነታ ናይ ፈለማ መጽሓፍ ኢያ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ክሳብ ዕለተ ሎሚ ማሰን መልቀስን ጥራሕ ዝሓዘ መጽሓፍ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። ታሪኽ ኣፋዊ ስነ ግጥሚ ትግርኛ ንምድህሳስን ብልሒ ምዕባለን ግልጽነትን ዝሓለፈ ወለዶ ንምድህሳስ ኣዚያ ሓጋዚት ዝኾነት፡ ንመጻኢ ዝያዳ በሪ ምርምር ትኸፍት መጽሓፍ’ያ ኢለ ድማ እኣምን። እዝኒ መሰታ ቀዳሞት ቦኽሪ መጽሓፈይ ኢያ። እዛ ካብ ዝመጽእ 10 ጥቅምቲ ጀሚራ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ዘላ መጽሓፍ ዋግኣ 15 ዶላር ኢዩ። ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ድኳናት ኤርትራውያን ከምኡውን ቤተ መጽሓፍቲ ተዘርጊሓ ክትሽየጥ ኣላ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ከም በዓል ዓዲ እንግሊዝ፡ ስዊዝ፡ ኖርወይን ካልኦት ሃገራትን’ውን ካብ ወከልቲ ደራሲ ንምግዛእ ይከኣል። ካብ ደራሲ ብቐጥታ ንምጥላብ ድማ ብቑጽሪ ስልኪ 616 589 2600 ደዊልኩም ወይ ድማ email bagirdvd7842@yahoo.com ክትእዝዙ ትኽእሉ። ብዘይካ’ዚ ኣብ www. Amazon.com “ Ezni Messeta Qedamot” ኢልኩም ክትገዝኡ ትኽእሉ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT