Hanti Alem on Assennaብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።

Amanuel Sahleሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።

Amanuel ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።

Hanti Alemእንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?

Amanuel ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።

Amanuel Sahleንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡

Hanti alemፈጣሪ ንወድሰብ ካብ ዝሃቦ ህያባት እቲ ዝዓበየ ኣእምሮኡ ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ። ሓደ ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ ነገር ኪኣምን ወይ ተንቲኑ ኣብ መደምደምታ ኪበጽሕ ይኽእልዶ? ኣይክእልን።

Amanuel እዛ ዓለም ከም ቁሸት ጌርና እንተ ደኣ ርኢናያ፡ እቲ ኣብኣ ዚነበር ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ካንሸሎ ይነብር ከም ዘሎ ጌርካ ምርኣዩ ዘሸግር ኣይኮነን።

Amanuel Sahleሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።

Amanuel Sahleመንእሰይ ከይኮነ ዝዓበየ ሰብ የልቦን። ገለ ግን ኣለዉ ስድራኦም ብንእስነቶም ሓላፍነት የሰክሙዎም እሞ፡ ንእስነት ከይረኣዩ ዚዓብዩ። ኩሉ ጸጽሕፍቶኡ ኣለዎ።

Amanuelመንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

Hanti aelemሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ።

hanti alemሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣

እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።

Hanti aleኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።

ሓንቲ ዓለም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምኡ’ውን ትግራዎት፡ ጓይላ ኣዚና ኢና እንፈቱ። ካብዚ እተላዕለ ኢዩ መስለኒ ኣምሓሩ፡ ኣባጅጎ ጓይላ ዊን ምስ ዚብሎ ንትግራዎት ወይ ንትግርኛ ተዛረብቲ ኢዩ መጀመርታ ዘጽግብ ዚብሉና።

Amanuel Sahle መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ ኣብ ኤርትራ ውሑዳት ወትሃደራት ጣልያን ኢዮም ተሪፎም ነይሮም ይብሃል። ኣትዩ ከሳጉጎም ይኽእል ነይሩ። ግን ንኤርትራ ገጹ ኪቕጽል ኣይደልየን። ዓሻኽሩ ኣኻኺቡ ንሽዋኡ ደኣ ተመልሰ።

hanti alem ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ በጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ክትብል ሓቲታትኒ፣

”እሞ ኸመይ ረኺብካያ ኢትዮጵያ? ምስ ለመንታን ምስ ርስሓታን ክኢልካያዶ? ስርቂኸ ገዲፎምዎ ዶ? ጥምየትከ ከመይ ነይሩ?” ዘይሓሰብኩዎ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።

Amanuel Sahleብዛዕባ ብፓይሎታታን ብሆስተሳታን እተጨውየት ነፋሪት ዚሕብር ዜና ሰሚዕኩምዶ ትፈልጡ? ኣይመስለንን። ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ኣብ ዓለምና ልሙድ ኣይኮነን፡ ከመይሲ ከምዚ ዚገብሩ ፓይሎታት ሕሙማት ጥራይ ኢዮም ኪኾኑ ዘለዎም።

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝገበሮ ሓያል መኸተ ኣእላፍ መስተንክራትን ጅግንነትን እንክፍጽም ማዕረ ምዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ጸለምቲ ውዕሎታት ዊዒሉ እዩ።

ሓንቲ ዓለም ካብ ኤርትራ ተሰዲድካ ምውጻእ ብዙሕ ደስ ዘብል ስምዒት ኣይህብን፡ ጽቡቕ ተመክሮ’ውን  ኣይኮነን። ኣነ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኤርትራ ዝወጻእኩሉ (ኣብ 60ታት) እዋን፡ ተመሃራይ እየ ነይረ። ትምህርቲ ንምቕጻል ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ።

Hustonእቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ገብረኣብ ትኳቦ፡ ካሕሳይ በኺት፡ ፍረወይኒ ከምኡ ‘ውን ሃብተገርግሽ ዝብሃል ኣብ ኡጋንዳ መሻርኽቲ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ግለሰብ ዘቖሙዋ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነት ጉጅለ፡ ትማሊ ሰንበት 24 ጥሪ፡ ኣብ ቅድስተማርያም ስቶክሆልም (ሽወደን) ፖለቲካ ህግደፍ ክትነዝሕ ‘ኳ እንተፈተንት፡ ብሳላ ተባዕ ተቓውሞ ኤርትራውያን ፕሮፖጋንዳዊ መደባ ከምዝፈሸለ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።