Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

demo.archive.assenna.comኣፍ እቲ ከየድምጽ መሰሉ ዝተገፎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ደው ዝበሉ ኣማሓደርቲ ኣሰና፡ ንሰንበት ዕለት 5/12/2010፡ ኣብ ፓልቶክ Room Eritrea Etuq menisey Eritrea niDimokrasin fithin ክቐርቡ እዮም።

Canada congከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም ናይ ኮምፒተርን ኔትዎርክን ብዓል ሞያ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ በረኸት ገብረብርሃን ዝተባህለ ክኢላ ንተወሳኺ ስልጠና ናብ እስራኤል ድሕሪ ምኻዱ ነቲ ስርዓት ከም ዝራሕርሖ ደንጕዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ሎሚ ሓሙስ 11 ሕዳር 2010 ብኦስሎ ማእከል ዝተዳለወ፣ ኣብ ትሕቲዘተ ምስ ጭቆንቲ ስርዓታትይሰርሕዶ፧ (Dialogue with oppressing regimes – does it work) ዝብል ኣርእስቲ ተኻይዱ። 

FootballThanksgiving 2010 ውድድር ኩዑሶ ኤርትራውያን ኣብ ምጭውቲ ከተማና ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ብኣዳላዊት ጋንታ ሳንድያጎ ካብ ዕለት 26-27 ኣብ ወርሒ November ክካየድ ከምዝኾነ ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ክንሕብር ንደሊ።

ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳን ሆዘን ከባቢኣን ከመይ እላ ከም እተመስረተት ገሊጽና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። ይኹን ደኣምበር ዘራግት ማይ ዘላተን ከብቲ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ ከም ዝበሃል ፤ ገለ ውልቀ ሰባት ሕማቅ እምበር ጽቡቅ ክሪኡ ዘይፈትው ብኻሊእ መንገዲ ሕማቅ ክሪኡ ዝሕጎሱ ጽቡቕ ክሪኡ ክነብዑ ዝሓድሩ (Sadist) ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ከምዘለው ኩልና እንፈልጦ ነገር እዩ።

Swedenትማሊ ሰንበት ዕለት 7 ሕዳር 2010 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

Fish PFDJትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።

Ausብመሰረት እቲ ብዕለት 28  ጥቅምቲ 2010 ኣብ መርበባት ሓበረታን ከምኡ ዉን ብኣካል ዝተዘርገሐ ዕድመ ፣ ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ሃገራዉያን ዕድመ ኣኽቢሮም ዝመጹ ፣ከፋትን ነጻን ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዶም።

Leedsብቀዳም 30/10/2010 መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ምስ ኣቶ ዓንደብርሃን ተቐማጣይ ከተማ ማንቸስተር ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፈን ዜጋ ብምዃን ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ምስ መንእሰያት ኣብ ከተማ ሊድስ ኣቃኒዖም።

Ghirmayስርዓት ህግደፍ ቀዳም ዕለት 30 ጥቅምቲ 2010 .. ኣብ ኦታዋ ርእሰ ከተማ ካናዳ ንዝቅመጡ ኤርትራዊያን ፍሹል ኣኼባ ኣካይዱ።

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

mezekerኣርእስተይ ከየደናግረኩም። ብዛዕባ ቅርስታት ኣይኮነን።  ‘ሰባት’ ‘የ ከልዕል። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ‘ቶም ሎሚ ቕነ ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ከካይዱ ዝቐነዩ ሙዚቀኛታት ኤርትራ። ፈለማ ግን ምስ ኣመጻጽኣ ኣርእተይ ከላልየኩም።

Osloመንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብምትሕብባር ምስ ኣብ ኦስሎ ዝምቕማጦም ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ብ23 ጥቅምቲ 2010 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።

ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

DC meetingትማሊ ምሸት ቐዳም 23 ጥቅምቲ፡ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ ነሓሰ 9 ንዝተኻየደ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ዋዕላ ብዝምልከትን፤ነቲ ኣብ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ንኹለን ውድባትን ማሕበራትን ህዝብን ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ተካይድ ዞባዊ ሽማግለ ንምምራጽን ዝዕላሙኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተጋቢኡ ኣምስዩ።

ዕስሎእቶም ካብ ኖርወይ ተወኪሎም ኣብ`ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተሳቲፎም ዝተመልሱ ኣሕዋት፡ ተሞክሮታቶም ንህዝቢ ንኽገልጹን፡ ነቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት፡ ምሳኹም ንኽመያየጡን ኣኼባ ተዳልዩ ስለ ዘሎ፡ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያን ኣብ`ቲ ኣኼባ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ ኣለኹም፡፡

waelaኣዋሃሃዲት ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን በቲ ኣቐዲማ ብኣባላትኮምሽ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብጉዳይ ጠቕላላውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላን፣

Ertirea USክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

San DThanksgiving 2010 ውድድር ኩዑሶ ኤርትራውያን ኣብ ምጭውቲ ከተማና ሳንድያጎ ካሊፎርንያ ብኣዳላዊት ጋንታ ሳንድያጎ ካብ ዕለት 26-27 ኣብ ወርሒ November ክካየድ ከምዝኾነ ንኹለን ተሳተፍቲ ጋንታታትን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ክንሕብር ንደሊ።

NCኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉኹም ግዱሳት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዚኾንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ናብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም 23/10/2010 ትዕደሙ።

Sandiagoእቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ።

Bay Areaክቡራትን ክቡራንን ነበርቲ በይ-ኤያን ከባቢኡን ብመጀመርያ ዕዙዝ ሃገራዊ ሰላምታና ነመሓላልፍ። ኣስዒብና ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ ህዝባዊ ጸዋዒትና ኣኽቢርኩም ኣብ ኦክላንድ በይ-ኤርያ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሱ ዘሎ ኣድራሻን ዕለትን ኣብ ዝግበር ህዝባዊ ኣኼባ ንክትርከቡ ብኽብሪ ንጽውዕ።

ብ27 መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስናን ካልኦት መርበባትን፡ ሕጂውን መሪሕነት (ኪዳን) ሓደራ! ከይትህመሉ፡ ብምስምስ ዕርቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጸ ጽሑፍ ኣንቢብናዮ።

Sanfootballከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ኣብ ቅነ Thanksgiving ኣብዚ ንርከቦ ምዕራባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝካየድ ናይ ኤርትራውያን ውድድር ኩዕሶ እግሪ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ክካየድ ጸኒሑ’ሎ።

Meetingኣብ ስያትል ብሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሓላፊ ክፍሊ ስርርዓዊ ጉዳያት ሰልፊ ንዕለት 9 ጥቅምቲ 2010(October9, 2010)

ሽማግለ ህዝቢ ንዋዕላ ኣብ ስዊስ ብቀዳም ዕለት 18.09.2010 ኣብ ዝተገብረ ክፉት ኣኼባ ፣ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ጻብጻባ ንህዝቢ ኣቕሪባ። ካብ ስዊስ ሰለስተ ወከልቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዉ ለውጢ ተሳቲፎም።