Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

National Conferenceነቲ ፋሕ ዝበለ አተሃላልዋ ናይ ተቓወምቲ ሐይልታት ጥርኑፍን ዝተወሃሃደን መልክዑ  ንምትሐዝ፣  አንጻር   መላኺ ስርዓት ዝካየድ ቃልሲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብመላኡ ብዘዕግብ አገባብ ንምቕያስ፣ ውድባት ተቓውሞ አብ መጋቢት 1999 ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ አብ ትሕቲ ዝብል ስም ከም ዝተጠርነፈ ዝዝከር’ዩ።

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ብራሰልስ ዝተገብረ ምስጢራዊ ዋዕላ ንዓና ንደቂ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለየናን ዘሰሓሓበናን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ዋዕላ ብራሰልስ ተወዲኡ ስምብራቱን ኣብ ተቓውሞ ደምበ ዘስዓቦ ፍልልይን ቂምታን ምድኻምን ከይተወድኤ ሎሚውን ካልእ  ካብ ዕለት 18 ዲሰምበር ጀሚሩ ዕለት 20 ዝውድእ ናይ ዓርከይ ዓርክኻ  ምስጢራዊ ዋዕላ ኣብ ሎንዶን  ክግበር ዓቢ ምሽብሻባት ይግበር ምህላዉ ይነፍስ ኣሎ።

  ካብ ህልኽን ብጎቦ ዓይኒ ምጥምማትን ልቦናን ልዝብን እንተዓዚዙ: ዘይጽገን እምነት የልቦን።

ካብ 9 ክሳብ 10 ሕዳር ሕብረት-ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ ‘ውን ‘ታስክ-ፎርስ’ (ሓይሊ-ዕማም) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ “ንፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ሕቶ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራን ቀርኒ-ኣፍሪቃን ንምውህሃድ ዝዕላምኡ” ዋዕላ ተኻይዱ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን፡ ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ንዘለዎም ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሰላምን-ምርግጋእን ፖሊሲ ንምውህሃድ ዝዓለመ ዋዕላ፡ ን9ን 10ን ሕዳር(2009)  ኣብ ብራስለስ (በልጅም) ከካይዱ ምዃኖም ብኤርትራውያን ዝቖመ ሓይሊ ዕማም ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣረጋጊጹ።

ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ መጸናበሪ ጕባኤ ንምቕራብ እዩ።

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብ19 መጋቢት ምስ ልኡኽ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ህግደፍን ሰውራ ሊብያን ‘ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ’ ዝቴማኡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ከካይዱ ብዛዕባ ኣዋዲዶሞ ዘለዉ ውጥን ከምዝተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ስርዓት ገሊጻ።