Imageንስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝራሕረሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልግል ዝነበረ ተጋዳላይ ግርማጼን ዘርአ ባይራይ፡ ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውሳኔ “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምስ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጹ።

ኩላትና ከም እንዝክሮ፡ ዓመት መጸ ኣብዚ ወርሓት’ዚ ስርዓት ህግደፍ ብጉልባብ ፌስቲቫላት ኣመኽንዩ ኤርትራውያን
ኣብ ዝርከቡለን ሃገራት ዓለም እናተንቀሳቐሰ ናይ ዝምታ ወፈራ ዘካይደለን ምዃነን ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ ንምትግባር
ክኣ ካብ ኤርትራ ብዝተላእኩ ስነ-ጥበባውያን ጌሩ ነቲ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ከም ዘሰላስሎ ዝፍለጥ’ዩ።