EYGMነዞም ኣናብስ ደቂ ተባዕትዮን ኣናብር ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ክንየተሎም ነውሪ ኣይነበሮን። የግዳስ ትምክሕተኛ ወዳቓይ’ዩ ኣቤት’ወ ኣየርእየና ተባሂሉስ ብዓይንና እውን ንርእዮ ስለዘለና ነዞም ሰብ ሓቂ፡ ሰብ ኒሕ፡ እወ ሰብ ቅያ ብጾት ኣክንዲ ክምክሓሎም ከመስግኖም መሪጸ።

እቲ ታሪኽ ናይ ሎሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ወርሒ መስከረም ስጋብ ወርሒ ጥቅምቲ 1999 ዓ.መ.ፈ ኣብ ርእሲ ከተማ ኣስመራ እዩ ተፈጺሙ። ኣሰናዳእትን ወከልትን መብዛሕትኤን ብሕታዉያን ጋዜጣታት ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ቤት ጽሕፈት ሳንሱር ኣቶ ኢሳቕ ያሬድ ተኣከብና።