Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Asmaraኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ሓደ ጽሑፍ The Tears of a Sadist ብዝብል ብኣክሊሉ ዘርአ ብ25 ሰነ 2007 ዝተደርሰ ቀሪቡ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቛታት ትግርኛ ይኹን ዓረብ ተዳልዩ እንተዝቐርብ ብዝያዳ ሸትኡ ምወቐዐ ዝብል ግምት ኣሎና።

NSመንእሰይ ሞተር ሃገር ተባሂሉ ብክንክን ጥዕናን፣  ብትምህርቲ፣  ብሃናጺ መግቢ፣ ስፓርት ወዘተ፣ ተኾስኪሱ ክዓቢ ዝግባእ ቀንዲ ክፋል ናይ ሕብረተ ሰብ ኣካል እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ኤርትራና ብግልብጥሽ ኮይኑ፣ ክውዒ ብማንካ ክዝሕልን ብኢድካ ከምዝበሃል፣ ኩናት እንተመጸ ንዕኡ፣ ስራሕ ባርነት እንተሎ ንዕኡ፣ ግፋ እንተመጸ ንዕኡ፣ ስም ምኽፋእ እንተመጸ  ንዕኡ፣ ብዓቢኡ ድማ ግዳይ ናይ ስደትን መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ።

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።

Isaiasዓድና ኣብ ክንዲ ዓዲ ምትሑቑቛፍን ምትሕልላይን፣ ዓዲ ማእሰርትን፣ ቁጽያን ምትህልላኻትን ኮይና። ቅድሚ ሕጂ ንደገ ወጺኡ ዘይፈልጥ ናይ መራሕቲ ፍልልያት ብዕሊ ተጋሂዱ። ህዝቢ ምስ መን ከምዝኸውን ማእዝኑ ጠፊእዎ። መፍቶት ከም ሃገር ክንህሉ ዘይደልዩና ባእታት ኮይና። እቲ ሕቡኑን ሕፉሩን ኤርትራዊ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ርእሱ ብምድናን ክመሻኸን ጀሚሩ። ዛጊት ‘ውን 7 ዓመታት ኮይኑ ንድሕሪቲ ክንምለሰሉ ኣብ ዘይንክእለሉ በጺሕና ክበሃል ዝከኣል ኢዩ።

EDPኣብዚ እዋንዚ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብዝነበሩ ሰባት፡ ስም ሰዲኤን ማእከላይ ባይቶን ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሰልፊን ወጻኢን፡ ኣንጻር ሰዲኤን ውሽጣዊ ሓድነቱን ዝቐንዐ፡ ጽዑቕ ጎስጓስን ዘመተን ይካየድ ምህላዉ ንኩሉ ዝከታተል ሰብ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ።

29.05.07

US amb Erመንግስቲ ኣመሪካ ንትግባረ ናይቲ ብኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ፡ መብጽዓን ድሌትን ከምዘለዎ ጸቒጠ ከረጋግጸልኩም እደሊ።

intenios 2…ኣቦና ቅድምውን ካብ ዓለም ወጺእኩም፣ ንሰማያዊ ህይወት ዝመነንኩም ብምኻንኩም፣ ወይልኦም ድኣ እቶም ገበርቲ ክፉእ እንበር ንዓኹም ድኣ ሱባኤ ናይቶም ቅዱሳት ኣቦታት ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ፣ ኣቡነ ተክለሃይማኖትን ካልኦት ኣቦታት ስለዝኾነ ብጸሎትኩም ነዞም ሰብኣዊ ህላዌና ተደሚሲሱ ዘሎ ደቅኩም ኣይትረስዑና። …..

ካብ ወልደንድራስ

placeholder

ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ተወዲኡ፣ ጥራይ መድረኽ ዘቓልጥፈሉ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። ብሓቂ እዚ ብዘይካ ክሰርሕ እምበር፣ ሽመት ኣብ ኣእምሮኡ ዘይስቖሮ ህዝቢ ተላዒሉ ስለዘሎ ኣሰናኮም ዝህልዋ ተራ ዓቢ ከምዝኸውን በቲ ‘እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቕሎኣ እፈልጣ’ ዝብል ብሂል ሃገርና ክገልጽ እፈቱ። እንተዘይኮይኑ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ንምቅልጣፍ ናይዚ ጨኻኒ ስርዓት፣ ሓንትን ክልተን እምኒ ካብ ምድርባይ ድሕር ከምዘይንብል ብምሉእ ሕልና ከረጋግጽ እፈቱ።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከይኮኑ ድሕነቶም ኣስጊኡ ዝቐነየ 57 ኤርትራውያን  ብሊብያውያን ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ተታሒዞም ከም ዝርከቡ፡ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ካልእ ሓደጋ የጸላልዎም ከምዘሎ ካብ መርበብ  ሓበሬታ መሰልና ደሊና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጸንቂቑዎ ነቀይ-ነቀይ ዝብለሉ ዘሎ ቀውጢ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ዝርካቡ ሕንኳዅ ቆፎ-ባንካ ብዘይተጕላባ ባጀት ዝስልዓሉ ትካል እንተልዩ መረኸቢ ብዙሃን ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ‘ቲቪ-ኤረ’ እዩ።