Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቶ ዮውሃንስ (ሃንስ) ፍረዝጊ ዝተባህለ፡ ትውልዲ ዓዱ ሰሳሕ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዓላ ዝርከብ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝለምዐ ናይ ሕርሻ ቦታኡ፡ ብሳላሳ ሚልዮን ናቕፋ ንማሕበር ኣከለ ስንኩላን ተጋደልቲ ክሸጠላ ድሕሪ ምውዕዓልን ምፍራምን፡ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልን ናይ ንብረት ምርኽኻብን ኣገባብ ምስ ተፈጸመ፡ ብውዕል መሰረት ድማ ገንዘብ ናብ ባንክ ምስተመሓላለፈ፡ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፣ ኣባላት ጸጥታ ሃንደበት መጺኦም፡ ንዮውሃንስ ፍረዝጊ ከምዝኣሰርዎ እቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ካብ ባንክ ንኸይወጽእ ከምዝተኣገደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መሰረት ናብ ከተማታት ክኣቱ ኸሎ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተመንዘዐ 5 ኤነትረ ዝዓቐኑ ናይ ሓረስቶት ኣእካል፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣስመራ፡ መደበር፡ ከምእተሸጠ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 wegahtaኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።

 

farmerኤርትራ ሃገርና ከም ኩለን ዘይማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ኤርትራ አብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ እዩ። ስለዝኸነ ድማ 80 ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ከምዝመሓደር ይፍለጥ። ቁጠባ ሃገርና ትሕቲ 15 ካብ ሚእቲ አብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ እዩ።