Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

Embassy ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

MCH

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኩወየት ዝነበረ ማሕሙድ ዑመር ጭሩም ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ካናዳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ከምዘሎ ብቐጥታ ዘዘራረቡዎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ካናዳ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ሓላፊ ጨንፈር ህግደፍ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ዝነበረ ኣቶ ነጂብ ኣሕመድ ዝሓለፍ ሰሙን ናብ ሱዳን ብምምላጥ ፖለቲካዊ ዑቕብ ከምዝሓተተ ዖማል ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።