Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Jenevaመንእሰይ ኤርትራ፡ ከም ንቡር፡ መሪሕ ብድሆን ለውጥን ምንባሩ መግዛእትን ቃልስን ዝምስክረሉ ሕላገት ታሪኽ ኣለዎ። ኣቦታትና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣንን ከምኡ ‘ውን ሓርበኛታት መሳትኦም፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝብና ለጠቕ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ ኣርብዓታት፡ ኣርዑት መግዛእትን ውሽጣዊ ምክፍፋላትን በዲሆም ነቲ ሰንኮፍ ዝነበረ ሃገራውነት ኣብ ምድልዳል ዓቢ ተራ ክጻወቱ ኸለዉ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

22 Mar 2011 !! መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልክዕ ከም’ቲ ዕቡድ ዓርኩ ቓዛፊ ብፍርሒ ስለዝወሓጡን ዝረግጹዎን ዝዛረቡዎን ኣይፈልጡን: ወግዓዊ ብዘይኮነ ንህዝቢ ንምድንጋር መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና’ዩ፡፡ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑሎም ልቢ ዘለዎ ኩሉ ሓኒኹ: ንክብርን መሰል እምነትን ካህናትን ደናግልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ዝግህስ ሓድሽ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓላሊፉ።

ኣሰናኣሰና፡ መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፡ እዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ድሕረ- ናጽነት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ በብዓውዱ ብሓባራዊ ዘተ ንምድህሳስ መደብ ኣውጺኣ ኣላ።

Mubarekን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።

EPDPትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡

Chivasአይተ ኩሉ ባዕሉ አብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ሕጻውንቲ ቖሉዑ አኪቡ አብ መድረኽ ድሕሪ  ምድያብ ህብቡነቱ ከረጋግጽ ፈቲኑ;፡ መችም ዓቢዱ ጨርቁ ካብ ዝድርቢ ነዊሕ እዋን እንዲዩ ኮይኑ ዓገብ ክብሎ ሰብ አይተጸበኹን።

Eri TBእቲ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኢድ ብምእታው ግብረሽበራ ኣተባቢዕካ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ብባይቶ ጸታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተበየነሉ፡ ቅኑዕነቱ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከእምን ዘይከኣለ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እገዳ ብኻልእ ሜላ ንምንእኣስ ኣብ ድሮ ጽምብል ነጻነት ሓድሽ ፕሮፖጋንዳዊ ጸወታ ጀሚሩ ‘ሎ።

Asmaraውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት ደመ-ሕልናኡ ዝተጸንቀቖ፡ ሕጂ ድማ ግዜ ዝጽንቀቖ ዘሎ፡ ስስዐ ስልጣን ዘዕበድበዶ ስርዓት እዩ።

ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (Eritrean Youth for Change, EYC)  ርሑስ ሐድሽ ዓመት እንዳበልና መጻኢ ዓመት፡ ዓመት ሰላምን ራህዋን ንክኾነልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ። 

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓጎስ ኮነ ሽግር ብሓድነትን ምትሕብባርን ክነብር ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትምኒትዚ ንሓድሽ ዓመት 2010 ኩሉና ኤርትራውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ምእንቲ ሁቡባት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ብምዳም  ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ንድሮ ሓድሽ ዓመት ኣዳልዩ ‘ሎ። 

እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እዋን ሓጎስ ኮነ ሽግር ብሓድነትን ምትሕብባርን ክነብር ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ሰናይ ትምኒትዚ ንሓድሽ ዓመት 2010 ኩሉና ኤርትራውያን ብሓባር ክንጽምብሎ ምእንቲ ሁቡባት ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ብምዳም  ዓቢ ለይታዊ ትልሂት ንድሮ ሓድሽ ዓመት ኣዳልዩ ‘ሎ። 

somalia

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

blenሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ባሕቲ 2009 ‘ውን ከም ትማሊ ቅድሚ-ትማሊ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት!” ክብለካ እዩ፡ እቲ መንጸሮር ኮይኑካ ዘሎ ወልቀመላኺ። ካብ ደረቕ ልቢ ዝወጽእ ጥሉል ቃላት ግን ኣይከርክኣካን እዩ። ግዜ ብዙሕ ሻዕ ፈሪዱካ እዩ ‘ሞ ሎምስ ንግዜ ብግዴኻ ፍረዶ።

GBቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንዓባይ ብሪጣንያ ን10 ዓመት ዝመርሐ፡ ቶኒ ብሌየር፡ ኣብ መንግስቱ ከም ቻንሰለር ን10 ዓመት ንዘገልገለ ጎርደን ብራውን ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ 27 ሰነ ስልጣኑ ብወለንታ TBኣረኪቡዎ።