Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ክንዲ ሓልዮት ህዝቢ፡ ኣገልገልቲ ምልኪ
ኣብ ስደት ኾይንኹም፡ ደሓን ኣሎ ዓዲ
ብክልተ ካብ ሚእቲ፡ ቀዘፍቲ ሕጻዉንቲ
ኣበይ ድኣ ኣበለ፡ ወዮ እኹብ ቦንዲ
ሎሚስ በሪሁልኩም ዶ? ህግደፋዊ ስልቲ

ዓርከተይ ዓርከተይ ኢሎምላ፡ ብማሕላ
      ከይትድፈር ብጓና ብጕሒላ
 ጻሐይ ከይትህረም ክትራ ሰሪሖምላ
ንስለ ክብሪ-ቃልኪዳን ይሕልውዋ በቢታራ
 ኮይኖም አብታ ዋላ!
ሕጂ ተፈከርካ እንታይ ከዓብሰላ
ንሳስ ሐዳራ ክትወጽእያ ትጽዕር ዘላ!
ትም! ግዳ በል ከይትሐናኹላ።

ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ  ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።

ኣብዚ ብ25 ሕዳር ዘካይዶ ኣኼባ ክንሳተፍ እንተወሲና ርጡብ ሕቶ ንምሕታት ንዳሎ። እቶም ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፉ ዘይትደልዩ ድማ ኣብቲ ንገብሮ ታቤላዊ ተቓውሞ ተጸንበሩና። 7 Croatia Street (Between Dufferin and Bloor – South of Bloor and North of Dufferin Mall) ሃየ ግዜ ዝጠልቦ ስራሕ ንስራሕ!