Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝሓለፋ ክልተ ወራዋርሕ ካብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝጀመረ ኣድማ ህዝቢ ኣንጻር ኦኣመጽቲ መራሕቲ ብፍላይ ከኣ ምልዕዓል ህዝቢ ሊብያ ኣንጻር ዕሉልን ጽሉልን ውልቀመላኺ ጋዳፊ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሕማም መንጾሮር ኮይኑዎ ከምዘሎ በቲ ንኽልተ ግዜ ንሕክምና ንቐጠር ዝተመላለሶ ከነረጋግጽ ንኽእል።

Spieእቲ ህዝባዊ እምነት ኣጥፊኡ፡ ንስለያዊ መሓውር ከም ኣማራጺ መጻንሒ ስርዓቱ ዝጥቀመሉ ዘሎ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ቺካጎ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ከካይዱሉ ካብ ዘዋፈሮም ሰለይቲ ተቓሊዖም።

Berlinመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።

wl

ናይ ማይን ከባብን ሚኒስተር ነበር፡ ወልደሚካአል ገብረማርያም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ፕረሲደንት ኢሳያስን ዝርከብ ምፍሕፋሕ ንምህዳእን፡ ጠለብ ሰራዊት ተቐባልነት ንኽረክብን፡ ምርግጋእ ክሰፍንን፡ ብዘርእዮ ተሓባባርነትን ቆራጽነትን ኣብዚ ጊዘዚ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ዓቢይ ህቡብነት ስለዘጥረየ ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ በዚ ህቡብነትዚ ከምዝተሻቐለን ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ወልደሚካኤል ዝውርወር ዘለፋ-ሓዘል ዘይእርኑብ ቃላት ከስምዕ ከምዝተራእየን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ወሰን ኢልካ ናይ ምጽናት መደብ ዝተተሓሓዞ ይመስል።

Eriልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ህሉው ኩነታት ሃገርና ብደቂቅ ድሕሪ ምምዛን፡ ኣብ ጀርመን እንርከብ ሃገራውያን: ምትእኽኻብና፡ ጸረ ውልቀ መላኺ ዝዓለመ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምውፋይ ጥራሕ፡ ከምዝኾነ  ኣቐዲምና እናሓበርና ፡ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔ ነመሓላልፍ፡፡