Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Sawaኣብ መዓስከር ወተሃደራዊት ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝርከብ፡ ንትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ብዕስክርናዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ምብካል ዝነጥፍ ቤትምህርቲ ከገልግሉ ዝጸንሑ መማህራን ብብዝሒ ናብ ስደት ስለዘምለጡ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ዘጋጥሞ ሕጽረት መማህራን ንምትካእ፡ ኣብቲ ቤትምህርቲ ክማሃሩ ካብ ዝጸንሑ ሓያለ ተማሃሮ መንእሰያት ብሕርያ ኣትሪፉ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።