Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣማኑኤል ሳህለሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ።

IREX ዝተባህለ ኣህጉራዊ መጽናዕታዊ ትካል፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣተኵሩ ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2007 ጸብጻብ (Media Sustainability Index – 2007) ፡ ኤርትራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምዃና፡ ህዝባ ሚዛናዊ ሓበሬታ ኣብ ምርካብ ኮነ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ምስትምቓር ኣዝዩ ተወጺዑ ከምዘሎ ብመርትዖ ዝተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።