Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንጉሆ ሓደ ጥሪ 2010 ክልተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 25 ኣባላት ሰራዊት ቀቲሎም፡ 38 ከምዘቝሰሉ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ንዜናዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።


ናብ ዝኸበርኩም ኣዳለውቲ ሬድዮ ኣስና፡-
ብመጀመርታ ሰላምታና ብምቕዳም ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነ።
ብምቕጻል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሰማዕናዮ መርድእ ቡዙሕ ሓዘንን ጋህን ከምዝተሰማዓና
እንዳገለጽና ብስም ኣባላት ማሕበር መትከል ንፍትሒ እዛ እትስዕብ ግጥሚ ንዝኽሪ እቶም
ብዓመጽ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ግዳይ ንዝኾኑ ሓርበኛታት ተቃለስቲ ንኽትከውን ከም መበገሲ ምጥርናፍ
ማሕበርና ንሰደልኩም ኣለና