Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

June 20ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

ፈንክል ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ህግደፍ ኣይኮነንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ተኻታታሊ መግዛእታትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ብርቱዕ ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ መዘና ዘየብሉ ከቢድ መስዋእቲ ምእንቲ ሃገሩን ሓርነቱን ከፊሉ ነጻነቱ አረጋጊጹ።