Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፊልፍልሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት ህዝቢ

ኣብዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሰክሕ ግፍዕታት ስርዓት ኢሰያስ ተጸሚዱሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ብሕርሻን መጓሰን ዝነብር ህዝቢ ንጥፍኣቱ ዝሃቀነ ሓድሽ መርድእ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ተነጊሩዎ ኣሎ።

ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ /ወዲ-ባሻይ/ በቲ ጽቡቕካ ክንጅምር።

ኣብ ኣስመራ ዓቢኻ። ኣብ 1970ታት ክትመሃር ንኤውሮጳ ደንማርክ ከይድካ። ኤውሮጳ ውሑዳት ኤርትርውያን ዝርከቡሉ ግዜ ኢይ ነይሩ ። ኣብ ደንማርክ ከም ኣባል ማሕበር ኤርትርውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ /ኤ.ና.ኤ/ ከምዝነበርካ ትዛረበሉ ነይርካ።ገለ ኣካየድቲ ማሕበር ተማሃሮ ከምዝሕብርዎ፡ ኣባል ከምዘይነበርካ ይገልጹ።