Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ቴለቪዥን ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ናይ ቡዛሓት ሃገራት ኣፍሪካ ከተዘንቱ ቀንያ። ቀንያ ጥራይ ዘይኮነ ግን መልክዕ ናይቲ ታሪኽን ተፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ገበናት ካኣ ቀዳማዩን ደሕረዋዩን ሓዋዊሳ ኮታ የታልል ይኸውንዩ ተባሂሉ ብዶኩመንታሪ ፊልምታት ዝተሰነየ መደብ ኣቕሪባ።

             

                ተጣቕዑ ዘለኹም ንዓማጺ ንቀታሊ

               ገለኹም ብግርህነት ገለኹም ብዕሊ

                ነባሪ ዝመስለኩም ህግደፋዊ ሓይሊ

                ረጊፉዩ ዘሎምስ ሓሪሩ ከም ቆጽሊ

                ናብ ሓቂ ተመለሱ ናየቦኹም ባህሊ

               ዕኑዳት አይትኾኑ ከም አድገበቕሊ

ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ብዝለኣኹዎ ሓበሬታ መሰረት ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ለሚሱ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ከምዘሎ ደሃይ ካብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ሕጂ ድማ ንድሕረባይታ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩምን ኩነታት ማእሰርቱን ንምዝኽኻር ብኤልሳ ጭሩም ተጻሒፉ ኣብ ኣዝማሪኖ ተዘርጊሑ ዝነበረ ጽሑፍ ነቕርበልኩም።

ኣሰና

ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሴ ወዲ 48 ዓመት ኣቢሉ እዩ። ኣብ 1977 – 1978 ኣቢሉ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፍ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ሓደ እዋን ኦፕሬተር ናይ ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ የገልግል ኔሩ።

ኮለኔል ተስፋልደት ሃብተስላሴ ወዲ 48 ዓመት ኣቢሉ እዩ። ኣብ 1977 – 1978 ኣቢሉ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፍ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ሓደ እዋን ኦፕሬተር ናይ ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ የገልግል ኔሩ።

ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኣብ 1977 ናብ መስርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሰብ በቲ ንቡር ታዕሊም ሜዳ ሓሊፉ ናብ ተዋጋኢ ሓይልታት ተሰሊፉ ግቡኡ ፈጺሙ። ኣብ 80ታት ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ማለት ክፍሊ 72 ተመዲቡ ክሳብ ናጽነት፡ ውድብ ናብ ዝለኣኾ ክዋፈርን ክሰርሕን ጸኒሑ።