Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mezgebስርዓት ህግደፍ ሓድሽ ውደባ ስለያ ወጻኢ ከካይድ ጀሚሩ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሃሱሳት ወዲቡ ንኤርትራውያን ዝስልየሉ መርበባት፡ “ጸሊም ማሕደር ሃሱሳት ህግደፍ ይገንጸል” ብዝብል ዜናዊ መኸተ ኣሰናን ተሓባበርታን ክቃላዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ስለያዊ መርበባቱ ዳግም ክውድብን ክጽግንን ከምዝጀመረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

afut

ኣብቲ ዝሓለፈ 3 (ሰለስተ) ተኽታታሊ መደባት ‘ጸሊም መዝገብ ወጦታት ህግደፍ’፡ ኣብ ኦክላንድ ዝምቕማጡ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ፡ ምኪኤል ተስፋጽዮን (ኣፍዑት)

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።