Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Bhieratድምጺ ኣሰና ኣብቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ‘ዚ (ነሓሰ 2010) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተረኺባ ዘካየደቶ ሓባራዊ ዘተን ቃለመጠየቓትን …

Bhieratድምጺ ኣሰና ኣብቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ‘ዚ (ነሓሰ 2010) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተረኺባ ዘካየደቶ ሓባራዊ ዘተን ቃለመጠየቓትን …

UNSCህግደፍ፡ በቲ ባይቶ ጸጥታ ውሕሃ ዝበየነሉ እገዳ  ተጨኒቑ ስለዘሎ ከምቲ “ህበይ ሰማይ ከይወድቃ ኣንቃዕሪራ ትሓድር ” ሰለም ከይበለ፡ ሰማይ ክሕሉ ይሓድር ኣሎ።

UNSCህግደፍ፡ በቲ ባይቶ ጸጥታ ውሕሃ ዝበየነሉ እገዳ  ተጨኒቑ ስለዘሎ ከምቲ “ህበይ ሰማይ ከይወድቃ ኣንቃዕሪራ ትሓድር ” ሰለም ከይበለ፡ ሰማይ ክሕሉ ይሓድር ኣሎ።

ህላወን ኩነታትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ እናንቆልቆለን እናኸፈአን ይኸይድ ከምዘሎ ንኩሎ ኤርትራዊ ብሩህ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብሰንኪ’ቲ ብዕሉግ ፖሊሲ ህግደፍ ከቢድ ጥምየት፡ ራዕዲ፡ ሕጊ ኣልቦ፡ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ፡ ማእሰርቲ፡ ዝኣመሰሉ ሽግራት ደረት ተሳኢንዎም ኣሎ። ህልቂት መንእሰያት ኣብ ምደረበዳታት ሳሕራን ማእከላይ ባሕርን፡ ቃፍላያት ሰደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝተራኣየሉ ዘስካሕክሕ እዋን እዩ ክባሃል ይኽእል። ነዚ ድማ እዩ መራሒ ህግደፍ ብባጫን ኣሽካዕላልን “ፓሳጆ እዮም ከይዶም ዘለዎ ክምለሱ እዮም” ኢሉ ብጥፍእትን ህልቂትን መንእሰያት ከላግጽ ዝወረሐ። እዚ ዘሕዝን ህልቂት’ዚ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝትንክፍ ክንሱ፡ ገለ ብደዎም ዝለመሱ ሰዓብቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ መንጠሊና ሕፍረት ተጎልቢቦም ክንሶም ጥፋኣትን ህልቂትን አሕዋቶምን ህዝቦምን ምግላጽ ዘሕፍሮም ጉዳመኛታት ምህላዎም ከ ምስ ምንታይ ይቑጸር?

ስርዓት ህግደፍ በቲ ጽባሕ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተጎልቢቡ፡ ካብ ስርዓቱ ኣምሊጦም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምጭዋይ ሰለይቲ ኣዋፊሩ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ  ብምምልካት፡ ስክፍታ ዘለዎም ኤርትራውያን ጥንቃቐቐ ከዘውትሩ ከምዝግባእ ምንጭታት ኣዘኻኺሮም።

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።