Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብኣባል ኣሰናዳዊት ሽማገለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓው ኣምሃ ደመኒኮ ዝተመርሔ ኣኸባ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ኣብ ናይ ኣኸባታት መጋብኣያ ኣደራሽ ሽስታ ትሬፍ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ማእከል ዝገበረ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ተኻይዱ።

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998-2000 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ዶባዊ ኵናት ንዝወረደ ዕንወት ብምምርማር ካሕሳ ንምውሳን ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ካሕሳ፡ ኤርትራን እትዮጵያን፡ ነንሕድሕደን ዓሰርተታት ሚልዮናት ዶላራት ካሕሳ ክኸፍላ ውዱእ ውሳኔ ከም ዝሃበ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።