Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Tedrosቴድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ህዩስተን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደገፍቲ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየደሉ CPJ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣጥቢቑ ጸዊዑ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ እቲ ብሓሶት ክናበር ዝደሊ ሓቂ ምጽዋር ዝሰኣነ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሳይበር ሃሱሳትን ዕሱባትን  ብምውፋር ንመርበብ ሓበሬታኹም demo.archive.assenna.com ካብ ገጽ ኢንተርነት ክሓክኽ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከካይድ ድቃስ ስኢኑ ከምዘሎ ምልክታቱ ድሮ ከተስተብህሉሉ ቀኒኹም ኳ እንተለኹም፡ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። እዚ ጸጸኒሑ ዘጋጥመና ዘሎ ምቍራጽ ኣገልግሎት ተክኒካዊ ጸገም ዘይኮነ ተጻብኦ ህግደፍ እዩ። ኩሉ ሃሱሳዊ ንጥፈታቱ ድማ ብሰነድን ጭብጥን ተታሒዙ ኣሎ። 

እዚ ክፍለ ሰራዊት 21 ከምኡ ‘ውን ክፍለ ሰራዊት 39፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ በተን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ምክትታል ዶባት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ብብረት ንኽሃርመኦ ንዝተዋህበን ትእዛዝ ብምንጻግ፡ “ዝዓጠቕናዮ ኣጽዋር ኣንጻር ጸላኢና ‘ምበር ምስ  ኣሕዋትናን ብጾትናን ኣይንታኾሰሉን ኢና” ብምባል ከም ዝተቛወሞኦ ምንጭታት ካብቲ ዞባ ሓቢሮም።

arsemaኣርሴማ ዳዊት ዝተባህለት ለንደን ዝምቕማጣ ጓል 15 ኤርትራዊት ተማሃሪት ትማሊ 2 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቀጽሪ ገዝኣ ብዘጋጠማ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣብ ሕክምና ቅድሚ ምብጽሓ ብኡንብኡ ዓሪፋ።

Ethiopiaኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጂጂጋን ደጋቡርን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 67 ከምዝቖሰሉ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ሓቢራ።