Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ንሓርነታ ኣብዝተገብረ ቃልስን ዝገደፎ ሰለባ ከየሕወየት፡ምኽንያቱ ሓለፍቲ ሰራዊት ዘይፈለጥዎ ካልኣይ ኩናት ዝተቀበላ፡ንእሽቶን ውሑድ ህዝብን ዘለዋ ሃገር ኢያ።ከም ኩሎም ባህርያት ኩናት ዝገድፎም ከኣ፡ኣፍራይ ሓይሊ ሃገር፡ካብ ክገብሮ ዝኽእል ኣስተዋጽኦ ተኣጊዱ፡ኣብ መዓስከር ብወተሃደራዊ ሕጊ ጅሆ ተታሒዙ፡ዝተ ረፈ ኒሑ ተዳኺሙ፡ስደት ከም ኣማራጺ ወሲዱ፡ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ሃገር ደው ካብ ዝበሎ ጀሚሩ ዘበራብሮ ስለዘይረ ኸበ፡ካልኣይ ሕማም ኣብዝሰዓባ ሃገር ዝወርድ ማዕቐብ ዘምጸኦ ማህሰይቲ ርኡይን ዘይፍቶን ኢዩ።