Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isu

ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡  በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ማለት ጸብጻባቱ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ ከመሓላልፍ ቅሩብ ብዘይምዃኑ ብዝፈጥረ ምስሕሓብ ካብ ዝነበሮ መዝነት ከም ዝደስከለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Filiposብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

58 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም: ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ተሪር ምግብዕባዕ የካይድ። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰነዳቶም ኣብ ሓደጋ ይሳጣሕ።

ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ዓባይ ብሪጣንያ ክዓዪ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእከ ሜጀር ሃብቶም ኪዳነ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።