Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Sinaiፖሊስ ምስሪ ንሓንቲ ቆልዓ ሒዛ ብሓውሲ ደሴት-ሲናይ ናብ እስራኤል ክትሰግር ዝፈተነት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ከምዝቐተሉዋ ሮይተርስ ካብ ምስሪ ሓቢሩ።

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

msriስርዓት ህግደፍ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2008 ምስ መንግስቲ ምስሪ ተሰማሚዑ በስገዳድ ናብ ኤርትራ ንዝመለሶም 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶምስ፡ ኣመስጊኖምኒ ‘ኳ” እናበለ፡ በቲ ናይ ሓሶት መናፍሑ ኣውርዩ ከምዝነበረ ትዝክሮዎ ኢኹም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንግስቲ ምስሪ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ ኤርትራ ምምልሱ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ዝርዝር ዜና ብቭድዮ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ።

READ MORE

eri yመንግስቲ ኤርትራ ካብ ምስሪ ብግዴታ ንዝተመልሱ 740 ኤርትራውያን “ጽቡቕ ገይረ ተቐቢለዮም፡ ተሓጕሶም፡ ኣመስጊኖምኒ” እናበለ፡ የውሪ ‘ኳ እንተሎ፡ ንሓያለ ተጋደልትን ታሕተዎት ሓልፍቲ ሰራዊት ነበርን ንበይኖም ፈልዩ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

Lonኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን፡ መንግስቲ ምስሪ ምስ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተሓባቢሩ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት በስገዳድ ናብ ኤርትራ ምስጓጉ ብምቅዋም ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምስሪ ዕዉት ሰላማዊ ስልፊ ኣካይዶም።

Eriኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።