Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Mubarekን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ።

ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ፡ ሎሚ ዘበን፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝጸንሑ 100 ኤርትራውያን መንእሰያትከስተምህር ፍቓደኛ ኮይኑ፡ ድሮ ዳርጋ 90 ካብ ሚእቲ ናይቶም ሕጹያት ንምህርቲ ኣብ ምቅርራብ ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም።

ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።

ኣብ ፓኪስታን ካብ ዝተኣሰሩ 5 ኣመሪካውያን ጥርጡራት ግብረሽበራ እቲ ሓደ ኤርትራዊ መበቆል ከም ዘለዎ ብዝተፈላለያ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ተጠቒሱ  ‘ኳ እንተነበረ፡ ዜጋ ናይ ካልእ ሃገር ምዃኑ Seattle Times ብ 26 ታሕሳስ ኣብ ዘስፈሮ ዓንቀጽ ኣመልኪቱ።

ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ “ ዶባት ኤርትራን እትዮጵያን ንምሕንጻጽ ኣብ ባይታ ግብራዊ ንጥፈታት ተጀሚሩ ‘ሎ፡ ምእንቲ ‘ዚ  ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶባት ስሒባ፡ ሰራዊት ኤርትራ ‘ውን ናብ ባረንቱ ተሳሒቡ ‘ሎ ፡ ካርታ ዝስእላ ነፈርቲ ኣብ ዶባት ይዝንብያ  ኣለዋ፡ ጸረነፈርቲ ከይትኩሰለን ‘ውን ንሓይልታት ምክልኻል መምርሒ ተዋሂቡ፡ ደጊም ሲ ዶባት ክሕንጸጽ ‘ዩ” እናተባህለ ኣብ ኣስመራ ታሕቲ ታሕቲ ተላቢዑ ዘሎ ወረ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእንቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።

Cabin

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።

ህዝቢ ከተማ ሰገነይቲ ናብ ባርካ ክግዕዝ ምዃኑ ብመንግስቲ ብዕሊ ከምዝተነግረ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

 

ብመሰረት ‘ቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዋላ ‘ኳ እቲ ህዝቢ ጥሜት እንተለዎ፡ ካብ ዓዱ ተዘናቢሉ ናብ ባርካ ኪኸይድ ድሉው ከምዘይኮነ ነቶም ሰበስልጣን የፍልጦም ኣሎ።

ደንደን

ካፕተን ናይታ ብ23 ሰነ ኣብ ህንዲ ገምገም ባሕሪ ወደብ ማንጋሎር ዝጠሓለት መርከብ “ደንደን “ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ህይወት ክልተ ባሕረኛታት ዝለከመት ብኮርፖሮሽን ቀይሕባሕሪ (ህግደፍ) እትውነን መርከብ፡ “ናይ ኢንጂነር ጉድለት ምዃኑ” ከምዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ማንጋሎርያን’ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።