Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተመኩሮ ይምሃርካ ዳግማይ ድርዕቶ ከይድርዓካ ከም ዝበሃል፡ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ዝመስከረልናን ዘረጋገጸልናን ተማሂርና ክንምህረሉ ንሓዋሩ እንቐስነሉ ባይታ ንምንጻፍ እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝነበረ ምዕንቃፍ ዘኽትመሉ ኣብ ኢድና ስለ ዘሎ ካብዚ ዋዕላ ተበጊስና ናበይ ንምብጻሕን እንታይ ንምጥጣሕን መልሲ እንህበሉ ሰዓት ኣኺሉ እዩ፡፡

“መደባትና ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራዕዲ ዘሎ ደበና ምቕንጣጥ ኢዩ“  ዝብል ቃል ናይ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሰሜን ኣትላንቲክ “ኔቶ“ ችፍ ኣድሚራል ዳኒኤል ፉን ቤጃንኩዝ ምርኩስ ብምግባር “ውሕሉል ፈዳይ ንጉሰ“ ሓያል ሚስጢር ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብ ኣስና መርበብ ሓበሬታን ኣብ መርበብ ደቀባትን ኣንቢብና፡፡