Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Genevaኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ(ሃኮዲለ)፡ ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ሽግ ቓልሲ ተቐቢሉ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምውዳብ ዝቐራረበሉ ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣገዳሲ ምዕራፍ ሒዙ ይርከብ። ክንዮ ምእላይ ስርዓት ዉልቐ-መላኺ፡ ባህጊ ብቕዋም እትምራሕ፡ ብስርዓተ-ሕጊ እትመሓደርን ፍትሒ ዝሰፈናን፡ ኤርትራና ክዉን ንምግባር፡ ኩሉ ደላይ ለዉጢ ዝሸባሸበሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ እቲ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ጥጡሕ መታን ክኸውን፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።

ዸሞንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ ሎሚ 1 ግንቦት 2011 ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ተዛዚሙ፡፡

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ሳንድያጎ)ን ረዘነ ገ.ሚካኤል (ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰሜን ኣመሪካን) እዮም።

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

NDAኣምባሳደር ነበር ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ኣቶ በሺር እሽሓቕን ኣብ ሽወደን ክገብርዎ ዝጸንሑ ዲፕሎማስያዊ ርክባቶም ኣብ ምድምዳሙ ገጹ ይኸይድ ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ ክሳብ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝመጽሉ ዕለት 7/10/2008 ክሳብ ዕለት 12/10/2008 ዝነበረ ውጽኢት ስርሓቶም ምስ ወከልቲ ሰልፍታት ሽወደንን መንግስትን፡ ምስ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ከምኡ’ውን ፍሉይ ርክብ ምስ ወከልትን ኣባላትን ኤርትራውያን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝገበርዎ ርክብን መግለጽን ብዛዕባ ኤርትራዊ ደክራስያዊ ኪዳን ዝሕብር ሕጽር ዝበለ ጸብጻባት ተቓሊሑ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ።

adኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ንመሪሕነት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ ብምውካል ሎሚ 7 መስከረም ኣብ ለንደን ሰሚናር ኣካይዱ

ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ።

DPሰሚናር ኣብ ስቶክሆልም – ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ (ኣካል ህጹጽ ጉባኤ ናይ መስከረም 2007 ): ኣርእስቲ  ዘተ፡ ቅልውላው ኤርትራን፡ ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታትን ! (ህግደፍን፡ ተቓወምትን)