Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

GSትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እዚ ክፍለ ሰራዊት 21 ከምኡ ‘ውን ክፍለ ሰራዊት 39፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ በተን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ምክትታል ዶባት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ብብረት ንኽሃርመኦ ንዝተዋህበን ትእዛዝ ብምንጻግ፡ “ዝዓጠቕናዮ ኣጽዋር ኣንጻር ጸላኢና ‘ምበር ምስ  ኣሕዋትናን ብጾትናን ኣይንታኾሰሉን ኢና” ብምባል ከም ዝተቛወሞኦ ምንጭታት ካብቲ ዞባ ሓቢሮም።