Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Milanoካብ ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ጀሚሩ፣ ቁጽሮም ካብ 250 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ሕጻናት፣ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣብ ጸምጸም ምድረበዳ ሲናይ ብሸፋቱ ዓሌታት በድዊን(ዓሌት ራሻይዳ) ተጨውዮም ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ዓለም ብቐጻሊ ይዛረባሉ ኣሎዋ።

Sinaiኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።