Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዓድታቶም ብግዴታ ተመዛቢሎም ኣብ ዞባ ጋሽ ናይ ዝሰፈሩ ስድራቤታት ቆልዑ፡ ምቅይያር ክሊማ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማማት፡ ዓሶን ጥምየትን ተጠቒዖም ብብዝሒ ይሞቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዓድታት ዘብርስ ብታሕቲ ታሕቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውጥን ህዝቢ ብጠለቡ ይትግብሮ ከምዘሎ ንምምሳል ይፍትን ኳ እንተሎ፡ ሰስብሑ መሬት ህዝቢ እናመንዘዐ፡ ህዝቢ ንዘፍረዮ ኣእካል ካብ ቆፎታቱን ብሎኮታት ከተማትትን እናመንዘዐ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ከልምዑን ከፍርዩን ጉልበት ዘለዎም መንእሰያት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ስድራቤታት ብምልማስ እዩ ነቲ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ናይ ምንብርካኽን ጽግዕተኛ መንግስቲ ናይ ምግባርን መደብ ተተሓሒዙዎ ጸኒሑ። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ምፍንቓል ‘ዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት እዩ።