Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

New Yearዓሚ ከምዚ ሎሚ ሕር ሕራይ ጌርና ጸፊዕናዮ ሸውዓተ ሸይጣን ስጋብ ዝረኣዮ። ንመን? ንመን ደኣ ነቲ ብጎረባብቲ ሃገራት፡ ብው.ሓ.ኣ.፡ ብው.ሕ.ሃ. ብምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሃገራት ዓረብ ኮታ ነቲ ዓለም ብዓለማ ትጸልኦ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንመን ደኣ።

 

ኣቱም ሰባት! ኣብ ዘዘለናዮ መዓልቲ ንግበር ካልኣይ ቀብሪ

ምእንቲ’ዞም ንቡር ከይረኸቡ ዝሰፈሩ ትሕቲ ምድሪ

ወየ! ወየ! ንበል ከምቲ ባህሊ ኣቦታትና

ምእንቲ”ዞም ከም ዕንቊ ዝተሽርቡ ደቅና ኣሕዋትና

እንተኽኢልና ኣብ ቅርዓት ዓዲ ዓራት ኣንጺፍና

ወይ ብጽሞና ናይ ካልኦት ኣምሲልና  

ጌጋ መዓልቲ እንዲና ውዒልናታ! ደም ምንባዕኳ ክውሕደና!

piaስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።

ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።