Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

meles zienawi ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና: ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ምስ ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ዓርቢ 25 ለካቲት ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ብራድዮን ኦንላይን ቲቪን ብተኻታታሊ ከነቕርበልኩም ምዃና እናሓበርና ምክትታልኩም ንዕድም።

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

kidanድምጺ ኣሰና ንቐዳም 3 ሚያዝያ ምስ ኣቦ ወንበርን ምኽትል ኣቦወንበርን ኣሰናዳኢት ኮሚተ ናይቲ ን29 ሓምለ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ‘ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’: ዶር በሽር ይስሓቕ፡ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ቃለመጠየቕ ከተካየድ መዲባ ስለዘላ፡ ነቲ ዋዕላን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ዘለኩም ሕቶታት፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኣብ ነጥብታት ዝተጸምቌ ኣቀራርባ ጽሒፍኩም፡ በዚ ኢመይል’ዚ  asenaquestions@googlemail.com ክትልእኩልና ብትሕትና ነዘኻኽር።

 

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።