Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Londonበየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።

ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ ቤት ፍርዲ ኮለል ይብሉ ኣለው። እዚ ጉዳይ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኮይኑ’ሎ፡ ስጋዕ ሕጂ ግን ፍታሕ ኣይረኸበን ኣሎ። ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓዘ ድማ፡ ሓሙሽተ ደቂ ዓዲ ንሓደ ዓመት ብዘይ ክስን ፍርድን ተኣሲሮም ኣለው።