Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብመምህር ተስፉ ዘውደ።

መልሲ ክህበሉ ኣድላይ ኮይኑ ኣይተራእየንን። ብሓፈሽኡ ንኣንበብትን ተዓዘብትን እገድፎ። ኣብቲ ወፍሪ ባርነት ዝብል ጽሑፍ ናይ ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝቐዳሕክዎ የለን። መሰል ደራሳይ (copy right) ንመላእ ትሕዝቶ ናይ ደራሲ ደጊመ እንተ ዝጽሕፎ ኣበሃህለኻ ልክዕ ክኸውን ምኸኣለ። ይኹን እንበር ኣነ ባርነት ናይ መስፍናዊ ኣገላልጻ ባርያን ጭዋን ዝብል ናይ ትውልዲ ልዑልን ትሑትን ኣምር ዝያዳ የስምዕ። ብኣጋላልጻና ጭዋ ኮይኑ ጊላነት ግን ናብ ምምዝማዝ ገጻ ዝያዳ ተዘንብል። ሕጂ ኣብ ናይ ቃላት ኣተራጉማ እንተዘይ ነድህብ ዝሓሸ ነይሩ ይመስለኒ።