Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብዕለት 30/12/ 2010 ዝወጸ ጹሑፍ ናይ ሲዒድ ወዲ ሓላል፡ መልሲ ዝሃብካሉ ስነ ጹሑፍካ ፡ ኣብ ትሕቲ “ካብ ተሓቢእካ ምሕንጣጥ ኣብ ሓቒ ምጭብባጥ” ዝብል ኣርእስቲ ፡ ድሕረ ባይታ ስነ ጹሑፍካ ንምርዳእ፡ ብሓቂ እየ ተገዲሰ ኣንቢበዮ።

ነቲ ብሓፈሽኡ ዝፍለጥን ብሰፊሑ ድማ፡ ኣብ መዛግብን መርበብ-ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘርጊሑ ዘሎ ሓበሬታ፡ ኣዋጅ ኣድማሳዊ መሰላት ደቂ-ሰብ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዘስተብህለሉን ከምዝፈልጦን ንምግባሩ ሓደ ካብ ዕላማ ናይ ጽሑፈይ ኢዩ። ግቡእ ኣፍልጦ ናይዚ ኣዋጅ’ዚ ምህላው ድማ፡ ኣብ ምጉስጓስን ምዕንባብን ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ካልኣይ ዕላማ ጽሑፈይ ድማ፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ብባይቶ ጸጥታ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ፡ ፈጢሩዎ ዘለዎ ፈታኒ ኩነታት፡ ኤርትራዊ እንታይ ክገብር ኣለዎ ዝብል ኢዩ።