Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hopitalsዓብላሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ቅድሚ ሓያለ ኣዋርሕ ዝጀመሮ ዕማም ምዕጻው ብሕታዊ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝፈጸሞ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩለን እተን ብገንዘብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ኣብያተ ጥዕና ደው ኢለን ኣለዋ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ኩለን  ብሕታዊ ክሊኒካት ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 4 ሕዳር 2009 ኣትሒዘን ብትእዛዝ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተዓዘዋ፡ ምጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ንህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ከቕርባ ንዝጸንሓ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከባ ክሊኒካት ንምዕጻው ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተላእከ መምርሒ ሰለስተ መስመር ብዝተጻሕፎ፡ ምኽንያት ዘይገልጽ ደብዳበ እዩ ናብተን ብሕታውያን ኣብያተ ክሊኒክ ተላኢኹ።