Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልዕሊ ኩሉ ብመጀመርያ ነቲ ዕቱብ ግብራዊ መልስኺ ካብ መዓሙቕ ልበይ ዝነቐለ ምስጋና ተቐበሊ። ማሕሙድ ሸሪፎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣነ’ውን ከም ገዲም ተጋዳላይ ሓወቦኺ ኢየ። ስለዚ ካብቲ መልስኺ ብዙሕ ተማሂረ። ካልኦት ኣንበብቲ እውን ተማሂሮም ኣለዉ። ንስለ ናእዳን ምስጋናን ዘይኮነስ፣ ዝኣምነሉን ኣረጋጊጸ ዝህቦን መልሲ ከም ዝኾነ ከረጋግጸልኪ እፈቱ። ቀጺለ እውን ንትምህርቲ ክኾነና ገለ ካብ ተመክክሮታተይ ከንብር እፈቱ።

ከምቲ ዝበልክምዎ እታ ቅልዕቲ ደብዳቤ ንደንበ ተቓውሞ ኢለ ዝዘርጋሕክዋ ሓጻር ጽሕፍቲ ከምቲ ዝበልክምዎ እንተላይ ንህዝቢ ኤርትራ ትኹነለይ፡፡ ከምቲ ዝበልክምዎ ግን ታሪኽ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሽሕኳ ከምቲ ናትኩም ብደቂቕ ኣፍልጦ እንተዘይብለይስ ብመጠኑስ እፈልጦ ኢየ በሃሊት ኢየ፡፡ ምስ መሓዙተይ ወፊረ ብዕድል ሃልየ ነዚ ዘሎ ስቓይን ብርሰትን ንምርኣይ ዝተዓደልኩ ቅርስስቲ ኢየ እንተበልኩ ምንባር ጸሊኤ ማለተይ ግን ኣይኮንኩን፡፡