Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Isaiasንኽልተ መንግስታት፡ ዘመነ ድርግን ሕጊግደፍን ኪርእዩ ካብ ዝበቕዑ መንእሰያት ሓደ እየ። ኣብ 1991 ዓ. ም. ህዝባዊ ግንባር ግዜን ቃልስን ዝወለዶ፡ ዓርሞሽሻዊ ውድብ ኮይኑ ዓዲ ከምዝኣተወ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መወዳእታኡ ኣይጸበቐን። ከምቲ ምስላ ቻይናውያን ዝብሎ “ማርቴሎ ጥራይ ዝንዋቱ ሰብሲ ኩሉ መስማር ኮይኑ ይርኣዮ”።

ሎሚ ዓለምና ኣውያት ኤርትራውያን ክትሰምዖ ስለጀመረት፤ ብተግባራት መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅለኡን ዘይግረም ኪህሉ ኣይክእልን። እቶም ትማሊ ዝንዓቑ ዝነበሩ ኣፍሪቓውያን’ውን፡ ንመራሕቲ ሕጊ-ግደፍ፡ ብሓደ ድምጺ ከውግዘዎም ክንሰምዕ ከሎና፤ ኣብ ፍቐዶ ጎዳጉዲ ዝተጋዕረ ኣውያት ኤርትራውያን፡ ጸሎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶጉዓ ህዝብና ሰማይ በጺሑ፡ እግዝሄር መዳሕንቲ ኪሰደልና ከምዝጀመረ ዘበስር ይመስል።

ንኽልተ መንግስታት፡ ዘመነ ድርግን ሕጊግደፍን ኪርእዩ ካብ ዝበቕዑ መንእሰያት ሓደ እየ። ኣብ 1991 ዓ. ም. ህዝባዊ ግንባር ግዜን ቃልስን ዝወለዶ፡ ዓርሞሽሻዊ ውድብ ኮይኑ ዓዲ ከምዝኣተወ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መወዳእታኡ ኣይጸበቐን። ከምቲ ምስላ ቻይናውያን ዝብሎ “ማርቴሎ ጥራይ ዝንዋቱ ሰብሲ ኩሉ መስማር ኮይኑ ይርኣዮ”። መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅልኡን ብደንቢ ዝመልኩዋ ሞያ፡ ሓዊ ምውላዕን ምስዋርን ጥራይ ብምዃና፡ ንኹሉ መሰናኽላት ብጎነጽን ብሓይሊ ብረትን ኪፈትሑ ስለዝፈተኑ፡ እቲ ትኣምራት ኪገብር ዝኽእል ዝነበረ ውድብ ማሲኑ፡ ብወግዒ ኣይተኣወየሉን እምበር ከም ውድብ ህላዌ የብሉን ኪብሃል ይክኣል።