Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

DC meetingትማሊ ምሸት ቐዳም 23 ጥቅምቲ፡ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ነቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ ነሓሰ 9 ንዝተኻየደ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ዋዕላ ብዝምልከትን፤ነቲ ኣብ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ንኹለን ውድባትን ማሕበራትን ህዝብን ዝሓቖፈ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ተካይድ ዞባዊ ሽማግለ ንምምራጽን ዝዕላሙኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ተጋቢኡ ኣምስዩ።

aman & Khalidብሓልዮት ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንዲሞክራስን ንፍትሕን አብ የቶቦሪ (ሽወደን) ኣብ ዝተጸውዔ ህዝባዊ አኼባ፡ አቶ አማኒኤል ሳህለን አቶ ኻልድ ዓብዱን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት አብ ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዋዕላን ሰፊሕ ሓበሬታ ንዕዱማት ከምዝሃቡ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ::

ብኣባል ኣሰናዳዊት ሽማገለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሓው ኣምሃ ደመኒኮ ዝተመርሔ ኣኸባ ኣብ ስቶክሆልም ብዕለት 22 ግንቦት 2010 ኣብ ናይ ኣኸባታት መጋብኣያ ኣደራሽ ሽስታ ትሬፍ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ማእከል ዝገበረ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ተኻይዱ።