Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Dictatorsኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍን ብዓይነቱ፡ ተሳታፍነቱን ናይ ተቓውሞ መንፈሱን ፍሉይ ዝኾነ ንውድቀት ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝጽውዕ ውዕዉዕ ዘላማዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

FESTኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቓልሲ ኤርትራ (ባሕቲ መስከረም) ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ዝወደቡዎ “ፈስቲቫል ሰላም”፡ ንሃገራዊ ናይ ቃልስን ሓርነትን መንፈስ ብዘለዓዕል ፍሉይን ምዕሩግን ኣገባብ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣብ ለንደን ብዓወት ተኻይዱ።