Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

stockholmዝኸበርኩም መንእሰያት ኣሓትን እሕዋትን ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ማሕበራውን ውልቃውን ሂወት ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነና ነቲ ባሕርያዊ ጉዕዞ ሂወት ዝሃበና ባሕርያዊ ሕጊ ማለት ወዲ ሰብ ተውሊዱ ክዓቢ ክኣርግ ክመውት ተፈጥሮኣዊ ትዕድልትና ከም ምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለናን።

Assennaብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።

Assennaብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ ድማ፣ ተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ ሰልፊ ብምግባር ንግዳያት ዘኪሮም።

Isኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ ፍጻሜ እናተኻየደ ብቐጥታ ዝደወልናሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ስነስርዓት ገሊጾም።

ነቲ ንቀዳም ዕለት 19/02/2011 ሰዓት 1፣30 ድ.ቀ. ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከካይዶ ሓሲቡ ዘሎ  ኣኼባ ምስ ህዝቢ ኣብ ከተማ  ሸፊልድ ንምቅዋም:

Waelaከምቲ ኩላትና ዘይንስሕቶ ብሰኪ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝከፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ምህላው መግለጺ ዘድልዩ ሓተታ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ከምዝነበረ፡ 6 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ጢዖ (ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብፈጣን ጃልባ ናብ የመን ድሕሪ ምስጋሮም፡ እቲ ስርዓት ኣምሳያ ቁጥዐኡ፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ርእሲ ዝርከብ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ጢዖ ናይ ሕንሕነ ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዜና ኣሰና ተጠቒሱ ከምዝነበረ፡ 6 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ ዜጋታት ካብ ከባቢ ጢዖ (ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብፈጣን ጃልባ ናብ የመን ድሕሪ ምስጋሮም፡ እቲ ስርዓት ኣምሳያ ቁጥዐኡ፡ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ርእሲ ዝርከብ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ጢዖ ናይ ሕንሕነ ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Friends of Asena Norwayኣብ ኖርወይ እትቕመጡ 16 ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣዕሩኽ ኣሰና ብምምስራት ብዝተወደበ መንገዲ 13800 ክሮነር ቅጽበታዊ ሓገዝ ከወፍዩ ከለዉ ዓመታዊ ነፍሲ ወከፎም £132  ብድምር £2112 ከበርክቱ ተመባጺዖም። ካልኦት ግዱሳት ተቐማጦ ነርወይ ክተሓባበሩዎም ከኣ ጸዊዖም። ድምጺ ኣሰና፡ ንኣዕሩኽ ኣሰና ኣብ ነርወይ ብስም ተኸታተልታ ብፍላይ ድማ ብስምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ምስጋናኣ ተመሓላልፈሎም።

Friends of Asenaዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፍ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ቑጠባዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለይ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። 

San Diagoነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ንሃገሩ ከም ዘፍቅርን ከም ዘኽብርን ምንም ጥርጥር የብሉን።   አብ ስልጣን ዘሎ ህግደፋዊ መላኺ ስርዓት’ውን ነዚ  ስሚዒት’ዚ ስለዝፈልጥ፣ ናይ ህዝብና ስሚዒት መዝሚዙ ብምብላጽ፣ ንጹሃት ዜጋታት ብምግጋይ  ክንደይ ጊዜ  ኢዩ ብሽም ኤርትራን ህዝባን  እከይ ተግባርን፣ ሐደገኛ  ሽርሕን ዘይፈጸመ።

ስርዓት ህግደፍ ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ በቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ብዘይካ እሺ ከልእ ቃል ዘይምለሱ ልኡኻቱ ኣንባሳደራት ኣቢሉ ሓደ ዓቢ ድራማ ክሰርሕ መደባቱ ኣብ ኣስመራ ኣጻፊፉ ንኩሎም ነናብ ናይ ስራሕ ቦትኦም ከምዝምለሱ ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር ኮሎምበስ ን 19 መስከረም 2009 በኣጋጣሚ መበል 8ይ ዓመት ብግልጺ ማሕዩር ሓርበኛታት ተቃልስቲ ኣንጻር ምልኪ-ዝተቃወሙ 11 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ቦኽሪ ልሳን ህዝቢ ዚኾኑ ተባዓትን ንጹሃትን ጋዜጣኛታት ዝተሓየሩሉ ማዓልታት ብሙኻኑንን በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ወርሒ መስከረም- ኣደ ብረታዊ ተጋድሎናን ሰለዝኾነት ንመበል 48 ዓመታ ንምብዓልን ንምጽንባል….

አብቲ ብዓል መብዛሕትኦም ካብታ መዳሕንቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮም ኤርትራ ህዝቦምን ገዲፎም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ዝተሰደዱ መንእሰያት ተረኺቦም ነጺ ጽምብል ብባህላዊን ዘመናዊን ደርፊታት ሓባራዊ ናይ ድራር ግብጃን ግብጃን ከምዝጸንበሉዎ ተሓቢሩ። 

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።

ንድርብ ባዓል ኣህጉራዊ ማዓልቲ ሰቂ ኣንስትዮን፤ ባዓል ቶጎሩባን ኣብ Oakland California ንቀዳም March 21 2009 ሰፊሕ ብዓል ብድምቀት ንኽውዕል ዓቢ ምድላውን ምሽብሻብን ይግበር ስለ ዘሎ፤ ኣብዚ ታሪኻዊ ድርብ ብዓል እዚ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ድሙቅ ጸወታ ክህልወና ስለ ዝኾነ፤ ንኹሉ ኤርትራዊ/ዊት ብሓበራ ብዘይ ኣፋላላይ ሽማግለ ኣዳለውቲ ብዓል ብ ኣብሮት ትዕድም።

is ተቐማጦ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቐይሕ እትርከብ ዓዲ ቆልዓ ሰበይትን ሰብኡትን ንብረቶም ጠርኒፎም ብስቱር ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ተቐማጦ ናይታ ዓዲ ነዚ ዓቕሊ-ጽበታዊ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰዱ ብጥምየትን ሕሱም ጸቕጢ ስርዓት ህግደፍን ተገዲዶም ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ተቐማጦ ከባቢ መንደፈራን ዓዲ ቐይሕን በቲ ወሪዱዎም  ዘሎ ጥምየትን ሕሰም መነባብሮን ዝርእዩዎ ስኢኖም ነቲ ስርዓት ጭንቀቶም ምስ ገለጹሉ፡ ‘ናብ ጋሽ ባርካ ከባቢ ጎልጅን ገርሰትን ኬድኩም ሓሪስኩም ብልዑ’ ስለዝበሎም ዝገዓዙ ብዙሓት ስድራቤታት ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ‘ሎ። Amb

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ፍፍ 01ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኤርትራውያን ተቐማጦ ፍራንክፈርት ጀርመን ናይ ዝተኻየደ ሰላማዊ ስልፊ ስእላዊ ምግለጺ

መንግስቲ ካናዳ ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ዘለዎ ሓበረታ ግጉይ ስለዝኾነ ነቲ ቅኑዕ ሓበረታን ስእሊን ንምሃብ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ንምቕራብን ኣብ ዝለዓለ ኣካል በጺሕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ተሰማሚዕና ነዚ ጉዳይ እዚ ትመርሕ ሽማግለ መዚዛና ስራሓ ጀሚራ ኣላ።ነዛ ሽማግለ እዚኣ ንምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ክለዓል ንጽውዕ።

dcኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ መንግስቲ ምስሪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ 700 ሚእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘካየዶ ኢሰብኣዊ ግዱድ-ስጓ ብምቅዋም ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምስሪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

demኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።