Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቅድሚ ክልተ ማዓልቲ፡ ሓደ ዓርከይ፡ ኣነ ኣብቲ ብመንእሰያት ኤርትራ ዝተዳለወ፡ ብዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ ቤት-ጽሕፈት ናይ UN ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ተኻፊለ ከምዝነበርኩ ዝፈልጠ፡ ኣብ ስልኪ ደዊሉ፡ እንታይ ዳኣ ኢና ንሰምዕን ነንብብን ዘለና …? ኢሉ ሓቲቱኒ።

Womenሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።