Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

CON

113 ኤርትራውያን መሃንድሳትን ጆመትራታትን ቀየስትን “ግብሪ ብግቡእ ኣይከፈልኩምን“ ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ጉዳዮም ን2 ዓመት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰኑይ 6 ሚያዝያ 2009 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝውዓለ መጋበእያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ንኹሎም ክሱሳት ጸዊዑ ኣብ ዘመሓላለፎ ጃምላዊ ፍርዲ ንነብሲ ወከፎም ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 130 ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ሽዑ ንሽዑ ክኽፍሉ ከምዝበየነሎም ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ሽዑ ዝኸፈሉ 86 ሞያውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው፡ እቶም ዝተረፉ ደቀንስትዮን ኣደ ቆልዑን ስንኩላንን ዝርከብዎም 27 ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለው።

ናይ ሲቭል ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብ26 ታሕሳስ 2008፡ ኣብ ኣስመራ ‘ሆሊዉድ’ ኣብ ዝተባህለት ኢንተርነት ካፈ ተጠቀምቲ ኢንተርነት መሲሎም ብምእታው ናይ ተቓወምቲ መርበብ ሓበሬታ ከፊቶም ንዝረኸቡዎም ሰለስተ መንእሰያት ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።