Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚልኪያስ ምሕረተኣብ፡ ኣብ ኣሰና ዶት ኮም ብዕለት 21- 12- 2010 < ንእሽቶ ምኽሪ ንሓው ኣለና> ዝብል ኣርእስቲ ሰለስተ ነጥብታት ገሊጽካ።

ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ /ወዲ-ባሻይ/ በቲ ጽቡቕካ ክንጅምር።

ኣብ ኣስመራ ዓቢኻ። ኣብ 1970ታት ክትመሃር ንኤውሮጳ ደንማርክ ከይድካ። ኤውሮጳ ውሑዳት ኤርትርውያን ዝርከቡሉ ግዜ ኢይ ነይሩ ። ኣብ ደንማርክ ከም ኣባል ማሕበር ኤርትርውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ /ኤ.ና.ኤ/ ከምዝነበርካ ትዛረበሉ ነይርካ።ገለ ኣካየድቲ ማሕበር ተማሃሮ ከምዝሕብርዎ፡ ኣባል ከምዘይነበርካ ይገልጹ።


ISእዚ ብፕረሰደንት ኢሳያስ ኣብዚ ሳምንቲ ብዛዕባ ኣመሪካ፣ ኣቐድም ኣቢሉውን ብዛዕባ ኢትዮጲያ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ከም ጓል ዘረባ ድኣ እምበር፣ ምስ ዘረባ ዝቑጸር ኣይኮነን።…..ኣብዚ እዋን መንግስትና ካብ ህዝብን ንኣገልግሎት ህዝቢ ምዃኑ ረሲዑ፣ ብትምክሕቲ፣ ኣነነት፣ ትዕቢት፣ ጃህራ፣ መን ከማይነት፣ ነብሰ ብሉጽነት፣ ጽምኢ ስልጣን፣ ጠፊእካ ምጥፋእን ወዘተ ዝኣመሰሉ ድኻማት ተዋሒጡዩ ዝኸይድ ዘሎ።

Fesሕጂ ግን ኦረማይ!  ዝተዓሸናዮ ይኣኽለና። ኤምባሲኹም፣ ህግደፍኩም፣ ፈሲቲቫልኩም ንዓኹም ግበርዎ። ጌጋታትና ክንእርም ኢና። እቲ ፍቕሪ ሃገርና ጌና ምሳና ኣሎ፣ ሕጂውን ኣብቲ ዘምዕረልና ሲቪካዊ ማሕበራት ዲዩ፣ ካልእ ምንቅስቓሳት፣ ኣብዛ ከቢድ መስዋእትን ተጋድሎ ዝተኸፈለላ ሃገርና ኤርትራ፣ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካልን ዴሞክራስን፣ ፍትሕን፣ ርትዕን፣ ሰላምን ንምምጻእ ዝከኣለና ንከነወፊ ምዃና ነረጋግጽ።