Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Conferenceብምኽትል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ (ኣ.ሽ.ሃ.ዋ.) ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን፣ ብኣቶ ጎይትኦም ኩፍሎም፣ ኣባል ኣ.ሽ.ሃ.ዋ. ክፍሊ ሰነዳትን፣ ዝመርሕዎ ህዝባዊ ኣኼባ፣ ንተቐማጦን ሓደስቲ ስደተኛታትን ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ስዊስ ተካይዱ።

Berlinመላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ሕሰም ንምግላጽን፡ ዲሞክራሲን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝጠልብን ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ20 ግንቦት ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ተኻይዱ።

BBCመንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።

PM London

ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ዝተወደበ፡ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ጭኮናን፡ ንምግልጋሉ ክውሰድ ዘለዎ መንገድታት ቃልስን ዝዝቲ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ሎሚ 24 ሰነ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ተኻይዱ።

50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡  ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።