Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Tunisድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ ሊብያ ተመሊሶም ጃልብኡ ክመልኡሉ ይጽውዖም ምህላዉ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

Tunisሓደ ተራ ቱኒዝያዊ፡ “ ሎሚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ርእየዮ ዘይፈልጥ ገጽ ቱኒዝያ እርኢ ‘ለኹ። ቅድም፡ ኩላትና ንሕሱ፡ ብሓሶት ነንሕድሕና ንጠቓቓዕ ኔርና። ሎሚ  (እቲ መላኺ ምስ ተኣልየ) ግን ነንሕድሕድና ተኣማሚና ኢድ ንኢድ እናተሓጋገዝና ብሓባር ንሰርሕ ኣለና።” ይብል።