Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣለና እወ ኣለና፡

ኤርትራና ባሕሪ ዝቕናታ ፡ዓዲ ወሓይዝ፡ ሩባታት፡ ዓዲ ፍሬታትን ጥሬታትን፡ ዓዲ መዓድናትን ነዳዲ ዘይትን ፡ ኮታስ ዓዲ ጸጋታት ምኻና ቅድሚ ፈታዊ ጸላኢ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ኣቶኩሮ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ናብ’ቲ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ማሕበረ-ሰብ ኢርትራ ብሓፈሻ ዝጠመተ ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ሰብኣዊ መሰላቶምን ናጽነቶም ተሓልይሎም ኣብ ፍትሒ ዝነገሶ ዓደታት ዝቕመጡ፡ ወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምኻኑ ኣብ መዓልታዊ ሂወትም ዝዕዘቡ፡ ምሉእ መሰሎም ተሓልይሎም ምስ ደቀባት ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ተማዕራርዮም ዝነብሩ፡ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ መሰል፡ ግቡእ፡ ዲሞክራሲ ዝብሉ ኣምራት ኣንታይ ምዃኖም ብግብሪ ዝምስክሩ ኤርትራውያን ዝዓለመ እዩ።