Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

idc

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ ቤትጽሕፈቱ ብምውሳድ፡ ፡ ንኸይሕተም ከምዝኣገዶ ምንጭታትና ምስናይ መሪር ሓዘን ገሊጾም።

እቲ ብአኹም ብሰራዊት ኤርትራ ዝተላዕለ፣ ንመላኺ መንግስቲ ህግደፍ ዝቐረበሉ ዝተፈላለየ ጠለባት ዘበገሶ ምልዕዓልን አበያን፣  አብ መላእ  ሃገርን አብ  ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለምን ዝርከብ ህዝብኹም፣ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ምንቅስቓስ እንተስ ውልዕ ኢሉ ክቕህም ፣እንተስ ባርዕ ሽግ ቀዪርኩሞ ወጋሕታ ብርሃን  ከበስር፣ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ወግሔ ጸብሔ  እዝኑ ጸልዩ፣ ዓይኑ አፍጢጡ ብጽሞና ይከታተለኩም አሎ።